• ናይ ኮምፒዩተር ትምህርቲ፡ ንሞያዊ ዕቤትን ለውጥን ! 

    ናይ ኮሚዩተር ትምህርቲ ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታት ተዘይተጠቂምካሉ፡ ተርሳዓይ ምዃኑ ኩልና ዘይንስሕቶ ሓቂ እዩ፡

    ነዚ ብምርዳእ በብመዓልቱ ኮርሳት ኣዳሊና ኣለና፡ ከከም ኣድላይነትኩም ክትምዝገቡ ትክእሉ ኢኩም፡

    ኣገልግሎትና ንግዚኡ ንተቀማጦ ካናዳ ጥራይ እዩ፡

Strength in Numbers

160+

Students & Counting

90%

Successful Students

16

Total Courses

Featured Courses !

መልሲ ንሕቶታኩም

ኣብዚ ዘይተጠቕሰ ሓብሬታ፡ ኣብ ቻት ወይ ዋትስኣፕ ጸሓፉልና፡

ንክመሃር እንታይ የድልየኒ?
  1. ምሉእ ድልየት፡ 
  2. ላፕቶፕ ወይ ደስክቶፕ ኮምፒዩተር፡ 
  3. ኢርፎን ወይ ሄድፎን፡
ብከመይ ይምዝገብ?

ዝደለኩሞ ክላስ ምስመረጽኩም፡ Enroll ኢልኩም ውልቓዊ ሓብሬታ ሂብኩም ትምዝገቡ፡

ክፍሊት ካርድ ውሑስ ድዩ?

ኩሉ ናይ ክረዲት ካርድ ክፍሊት ብ Stripe Payment Platform እዩ ዝሳለጥ፡ ውሑስን ጽፉፍን እዩ፡

ብክላስ ተዘይ ዓጊብና፡ ገንዘብና ይምለሰልናዶ?

እወ፡ ንትምህርት ብግቡእ ጀሚሮም ዝወድኡ ግን ከኣ ዘይዓገቡ፡ 

ጥራይ ኢና ክፍሊት ምሉእ ንመልሰሎም፡

ሰዓታት ክላስ ከመይ እዩ?

ስራሕን ናብራን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ክልተ ክላስ ናይ ድ/ቀ፡ 

ክልተ ክላስ ናይ ምሸት፡ ኣብዝጠዓመኩም ክላስ ክትሳተፉ ትክእሉ፡ ዝያዳ ሓበሬታ ኣብዚ ሊንክ ተወከሱ ካላንደር


ክላስ ብኣካል ድዩ ዋላ ኦንላይን?

ክላስ ኦንላይን እዩ፡ ካብ ድኻምን ዘየድሊ ሃልኪ መጓዓዝያን ገንዘብን ንምድሓን፡ ከምኡዉን ቀረብ ትምህርቲ ንተቀማጦ ኣብ ኩሉ ከተማታት ናይ ካናዳ ዘለዉ ብቀሊሉ ምዝርጋሕ፡

ክላስ ብከመይ ይሳተፍ?

ድሕሪ ምዝገባ ኢሜይል ሓበሬታ ክመጸኩም እዩ፡ በቲ ናይ ክላስ ቆጸራ መደብ ሰዓታት ሓሊኩም ክላስ ትኣትዉ፡

ብሞባይል ክላስ ክመሃር ይክእል ዶ?

ብሞባይል ክላስ ምምሃር ኣይፍቀድን እዩ፡ ምክንያቱ ናይ ግብራዊ ትምህርቲ ክላስ ስለ ዝኮነ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክላስ ዕዮ ክፍሊ ወይ ልምምድ ስለ ዘሎ፡ ናይ ግድን ኮምፒዩተር ላፕቶፕ ወይ ደስክቶፕ ክህልወና ኣለዎ፡ እቲ ረብሓ ንተመሃራይ እዩ፡

ናይ ክላስ ቪድዮ ዝተመልአ ብከመይ ንረክቦ?

ድሕሪ ክላስ፡ ንኩሎም ዝተመዝገቡ ተመሃሮ፡ ናይ ክላስ ቪድዮ ቅዳሕ ናብ ኢሜይል ንሰደልኩም፡ ክትለማመዱ ክሕግዝ፡